sdet
እስከ ህዝበይ ኣብ ስደት ዘለካ ከመይ ኮን ኣለካ ሽግር መሪርካ መእተዊ መዕረፊ ስኢንካ ኣብ ገዛኻ ዝንበረ ማሙቅ ፍቅሪ ሓልዮት ገዲፍካዮ ኬድካ ሕጂ ኮዪኑ ጣዕሳ ምረት sahara መከራ ብ ባሕሪ መከራ ኣየ ህይወት ዝሓለፈት ኣበይ ኮን ሰፊራ ገሌና ብጽምኢ ገሌና ብጥሜት መሪር ሄወት እወ እቲ ኩሉ ከርተት መንገዲ ተወዲኡ መሬት እንዳማትና ረጊጽናዮ ስለቲ ምሕረትካ ኣምላኬ መስገኖ ሕጂ ክጅምር እየ ስደት 2ይ ክፋል ገዛ ክራይ ምእራይ ሓዉሉልና ምባል ቆንቃ ለቃቂበ መንገደይ ክኸፍት ገንዘብ ኣኻኺበ ኣስቤዛይ ክሽምት ርእሰ ተኣማንነተይ መመሊሱ ይደክም ሽግር ዓቀብት በዚሑ ዘይብሉ ጎላጉል ሂወት ኣልቦ ኣልቦ ዘይብላ ዕድላት ትንፋሳ ተሕልፍ ኣብ ማእከል ፈጣናት እዚ ኮይኑ ዕጫይ ብሰንኪ ምርጫይ ናፍቆት ምስ ሓዘን ኮይኖም መሰኔታይ ተቀቢለ ዝወረደ ተሰኪመ ዝከበደ ክሰግሮ የ ነቲ ጎቦ ክገብር የ ሓቦ ናይ ዕረፍቲ ባህገይ መታን ክሰምረለይ ክዝክር የ ጸሎት መታን ክቀንዓለይ ሽግረይ መከራይ ዘመን ምዘነለይ መርገም ድዩ ሓጥያት ወሰኽ ኣብዚሕለይ መዓልቲ መዓልቲ ኮቦርታ ይጽቀጥ ክትስእ እንዳ በልኩ ይእሰር ብጭንቀት ጾም ከይኣኸለ ጾሞይ ዳ ሓደርኩ ኣልሚደያ ከብደይ ድቃስ እንዳጽገብኩ ሕማቅ ወልፊ ሒዘ ዋላ ዘየማዕብል ምግዳፍ ውን ኣቢዩኒ ተመሲሉ ኣመል የምሕረልና እስከ ስደት መኻፍልቲ የርእየና ይኸውን ስድራ ተናፈቅቲ ዘምደይ ፈልጥተይ ዋላ ጎሮባብተይ መርዓኩም ሓዘንኩም ከየእተኹ እግረይ ኣብ ልበይ ኣለኩም ኩላትኩም የዕሩኽተይ ቃላት ኣይገልጾን እዩ ዘለዎ የዒንተይ ሓንቲ መዓልቲ ኣላ ገጽኩም ዝስዕመላ ተስፋኹም ዕተሩ በጃኹም ሓደራ
You may also like

Leave a comment
See track description ↑
Thanks bro @TylerEnderle
Here are my scores: Bars: 10/10 Delivery: 10/10 Impression: 10/10